Online Library TheLib.net » ዘይ-ሻራዊ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ
cover of the book ዘይ-ሻራዊ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ

Ebook: ዘይ-ሻራዊ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ

Author: Kiros Beyene

00
14.02.2024
0
0

ሕብረ-ሰልፋዊ ሊበራላዊ ደሞክራሲ ኣፍሪቃ ግብራውነት ከም ዘይብሉ ምስ ምኽንያቱ ኣብዚ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ። ሎሚ ህዝብታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ብፖለቲካዊ፣ ማሕበረ-ቁጠባውን ዓለማውን ግንዛበኦም ካብኦም ንታሕቲ ብዝኾኑን ዝሸምገሉን መሪሕነታቶም ጠለባቶም ክምለስን ዕቑር ዓቕምታቶም ክጋሃድን ከም ዘይክእል ዝተረድእሉ መዋእል ኢና ዘሎና። ነዚ ሓቂ'ዚ መንእሰያት ኤርትራ ዝነብርዎ ዘለዉ ስለ ዝኾነ ብዝግባእ ዝተረድኡ'ዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ።

እዚ መጽሓፍ ንሓፋሽ ብሓፈሻ፣ ንመንእሰያት ድማ ብፍላይ ንምይይጥን ክርክርን ንምዕዳም እምበር ዘይ-ሻራዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ጥራሕ'ዩ እቲ ምርጫ ንምባል ኣይኮነን። መንእሰያትና ኣምበብትን ተመራ-መርትን ክኾኑ በቲ ሓደ፣ ንተመኩሮኦምን ተመኩሮ መዘነኦም ዝኾኑ ኣፍሪቃውያንን ብምግምጋም ንገዛእ ርእሶምን ሃገሮምን ዝሓይሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ክተኽሉን ሃገሮም ክሃንጹን ድማ በቲ ካልእ ዝዕድም'ዩ። መን-
እሰያትና ብእኩብን ብዉልቅን ደረጃ ንቅሓቶም ዝግምግሙ፣ ብባዕላዊ ትንተናታት ዘይምርሑ፣ ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ብሃውሪ፣ ትሕቲ-ሃገራውን ቤላቤለውን ዘይህውትቱን ክኾኑ እዚ መጽሓፍ ይመክር።

ኪሮስ በየነ
(BA, MA, MSc).

በሊሕ ኣእምሮ ስለ ሓሳባት፣ ማእከላይ ስለ ኣጋጣምታት፣ ንኡስ ኣእምሮ ድማ ስለ ውልቀ-ሰባት ይዝቲ።
ቀዳማዊት ባዓልቲ ቤት አሊኖር ሩዝቨልት

Download the book ዘይ-ሻራዊ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ for free or read online
Read Download

Continue reading on any device:
QR code
Last viewed books
Related books
Comments (0)
reload, if the code cannot be seen